ስመይ ዛህራ ይበሃል ፡ዜግነተይ ኤሪትራዊት ኮይኑ ፡ ኣብ ሉክሰምበርግ ካብ ዝመጸአ ሓደ ዓመት ገይረ ።
ብሰንኪ ስግኣት ንዉሕስነተይ ፡ ካብ ሃገረይ ተሰዲደ ።
ኣብዚ ቀረባ አዋን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ተዋሂበ።
በዓል ቤተይ ምስ ክልተ ደቀይ ኣብ ኤርትራ ተሪፎም።
ብዙሕ ኢየ ዝናፍቆም ፡ ክርአዮም ይደሊ ኣለኩ።
ናኤል መልእኽቲ ሰዲዱ ኔሩ።
ናኤል
ሰላም ዛህራ፡ ናኤል ይባሃል፡ ኣብ ፈስቲቫል ስደተኛታት ተራኺብና ኔርና ፡ ዘኪርክኒ’ዶ፧
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ላክሰምበርግ ቍሩብ ከም ዝኸብደኪ ነጊርክኒ ኔርኪ ። ምኽሪ ዘድልየኪ እንተ ዀይኑ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሊ። ኣብዚ ኻብ ዝመጽእ ነዊሕ ዓመታት ገይረ ኣለኹ፡ ነዚ ሃገር ኣጸቢቐ ኽፈልጦን፡ ድሮ ውን ገዛይ ከምዘለኩ ኮይኑ ክስምዓኒ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብዚ ንስኺ ዘለኽዮ ኩነታት፡ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ፍሬንች እመሃር ኔረ ፣ኩሉ ኣሰራርሓ ናይዚ ዓዲ ክፈልጥ ብዙሕ ውን ሓጊዙኒ፣ ከምኡ ውን ምስ ሰባት ክላለ ብዙሕ ጠቂምኒ።
ዛህራ
ሰላም ናኤል!
ዓለምለኻዊ ዕቝባ ሕጂ ተዋሂበ ። እዚ ድሮ ዓቢ እፎይታ እዩ ።
ይኹን እምበር ካብ ካምፕ ኽወጽእ ኣለኒ ።
ስራሕ ክሳብ ዝረክብ ፡ ኣታዊ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ (REVIS) ኣመልኪተ ኣለኹ። እቲ ዝተረፈ ግን በየን ከም ዝጅምር ኣይፈልጥን ኢየ ።…














